bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Genesis 3
Genesis 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 4 →
1
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ኹሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጎርሕ ነበረ። ነታ ስበይቲ ኽኣ ኣምላኽሲ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ኣትብልዑ ኢሉዶ ኣዚዙ ኢዩ በላ።
2
እታ ስበይቲ ነቲ ተመን በለቶ ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና።
3
ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽ ከይትሞኡስ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውን በለ።
4
እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ እዒንትኹም ከም ዝኽፈታ ከም ኣምላኽውን ከም እትኾኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ እምበር ከቶ ኣይቱሞቱን ኢኹም በላ።
5
እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ እዒንትኹም ከም ዝኽፈታ ከም ኣምላኽውን ከም እትኾኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ እምበር ከቶ ኣይቱሞቱን ኢኹም በላ።
6
እታ ሰበይቲ ድማ ኣታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ ነዒንቲ ኽኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት።
7
ሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቆጺሊ በለስ ኣላጊቦም ከኣ ተዐትቁ።
8
ምድሪ ምስ ወልወለ ድማ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብላኽ ኣብ ገነት ኪማላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ።
9
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ጸዊዑ፡ ኣበይ ኣሎኻ በሎ።
10
ንሱ ኽኣ፡ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚኤ ጥራየይ ከኣ ኢየ እሞ ተሃባእኩ በለ።
11
ንሱ ድማ፡ ጥራይካ ምኻንካ ደኣ መን ነገረካ፡ ካብታ፡ ካብኣ፡ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፡ በሎ።
12
ኣዳም ክኣ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀብትኒ እሞ በላዕኩ በለ።
13
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ ኽኣ፡ ስለምንታይ እዚ ገብርኪ በላ። እታ ሰብይቲ ኽኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ ባላዕኩ በለት።
14
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን እዚ ስለ ዝገብርካ፡ ካብ ኩሉ እንስሳን ኣራዊትን መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድ፡ ኩሉ ዝበአን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ።
15
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ ኢዩ፡ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ኽትነክስ ኢኻ በሎ።
16
ነታ ሰበይቲ ኽኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝዩ ኸበዝሖ ኢየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን ኢዩ። ንሱውን ኪመልከኪ ኢዩ በላ።
17
ንኣዳም ከኣ ቃል ሰበይትኻ ስለዝሰማዕካ እሞ ካብታ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለዝበላዕካ፡ ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኩሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢካ።
18
እሾኽን ተኾርባን ተብቁለልካ፡ ብቑሊ መሮር ድማ ክትበልዕ ኢኻ።
19
ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ በሎ።
20
እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ኹሉ ህያው ኮይና ኢያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ።
21
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም።
22
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፋእን ዚፈልጥ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ ንዘልኣለም ከኣ ህያው ኾይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡
23
ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዐይያ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤድን ኣውጽኦ።
24
ከምኡ ንኣዳም፡ ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ ኣተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ፡ ኩሩቤል ኣቐመጠ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50