bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Genesis 11
Genesis 11
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 10
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 12 →
1
ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቓንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት።
2
ኮነ ድማ ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ምድሪ ሲነኣር ጎልጎል ረኸቡ፡ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ።
3
ንሓድሕዶም ድማ ክላግዳ፡ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖ፡ ተበሃሃሉ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ኽኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ኾነሎም።
4
ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኩላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፡ ከተማን ርእሱ ሰማይ ዚጥንቁር ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ፡ በሉ።
5
እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዚሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ።
6
እግዚኣብሄር ድማ ፡ ኣንሆ ኹላቶም ሓደ ዝዛረብኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀምርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሒጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዝህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን።
7
እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ።
8
እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኩላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ከተማ ኽኣ ገደፉ።
9
እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ኹላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ። ካብኣ ኽኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኩላ ምድሪ በተኖም።
10
ወለዶ ሴም እዚ እዩ። ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮነ፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኽኣ ንኣርፋክሳድ ወለደ።
11
ሴም ድማ ድሕርቲ ናኣርፋክሳድ ምስ ወለደ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።
12
ኣርፋክሳድ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ገብረ፡ ንሸላሕ ከኣ ወለደ።
13
ኣርፋክሳድውን ንሸላሕ ምስ ወለደ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።
14
ሸላሕ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንዔበር ወለደ።
15
ሸላሕ ንዔበር ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ስለስተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።
16
ዔበር ድማ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ገበረ፡ ንፌሌግ ከኣ ወለደ።
17
ዔበር ንፌሌግ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።
18
ፌሌግ ከኣ ስለላሳ ዓመት ገብረ፡ ንረጉ ወለደ።
19
ፌሌግ ንረጉ ምስ ውለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣውላድን ከኣ ወለደ።
20
ረጉ ድማ ሰላሳን ክልተን ዓመት ገብረ። ንሴሩግ ከኣ ወለደ።
21
ረጉ ንሴሩግ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።
22
ሴሩግ ድማ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንናሆር ከኣ ወለደ።
23
ሴሩግ ንናሆር ምስ ወለደ ኸኣ ድሕሪኡ ክልተ ሚእቲ ዓመት ገበረ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ውለደ።
24
ናሆር ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገብረ፡ ንታራ ኸኣ ወለደ።
25
ናሆር ንታራ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።
26
ታራ ድማ ሰብዓ ዓመት ገበረ፡ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራን ወለደ።
27
ወለዶ ታራ ኽኣ እዚ እዩ፡ ታራ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደ። ሃራን ድማ ንሎጥ ወለደ።
28
ሃራን ከኣ ኣብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣብታ እተወልደላ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ኣቡኡ ታራ ሞተ።
29
ኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተው። ስም ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ እዩ። ስም ሰበይቲ ናሆር ድማ ሚልካ፡ ጓል ሃራን፡ ኣቦ ሚልካን ኣቦ ዮስካን እዩ።
30
ሳራይ ከኣ መኻን ነበረት እሞ ውሉድ ኣይነብራን።
31
ታራ ድማ ንኣብራም ወዱን፡ ንሎጥ ወራ ሃራን ወዲ ወዱን፡ ንሳራይ ከኣ ሰበይቲ ወዱ። ሰበይቲ ኣብራም ወዲ ወሰዱ፡ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከንኣን ኪኸዱ ብሓደ ወጹ። ናብ ካራን ድማ መጹ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጡ።
32
ዕድመ ታራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ታራ ኽኣ ኣብ ካራን ሞተ።
← Chapter 10
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 12 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50