bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Genesis 45
Genesis 45
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 44
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 46 →
1
ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነብሩ ኹሎም ልቡ ኼህድእ ኣይከኣለን እሞ፡ ዓው ኢሉ፡ ኩሎም ሰብ ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ በለ። እቲ ነሕዋቱ ኺላለዮም ከሎ፡ ምስ ዮሴፍ ገለ ሰብ እኳ ኣይነበረን።
2
ቃሉ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፡ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ ቤት ፈርኦንውን ሰምዔ።
3
ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ ኣነ ዮሴፍ እየ፡ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ ኣሎ፡ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሰምበዱ እሞ ኪመልሱሉ ኣይከኣሉን።
4
ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ፡ በጃኹም ናባይ ቅረቡ በሎም። ቀረቡ ድማ። በለ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።
5
ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጉሀይ ኣይትጨነቑ።
6
ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን ሕጂ ክልተ ዓመት ኮይኑ፡ ዘይሕረስንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ።
7
ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩም ብዓብዩ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕን፡ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ።
8
ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርኡንን ኣቡኡን ጐይታ ኹላ ቤቱን ገዛእ ኩላ ሃገር ግብጽን ገብረኒ።
9
ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎ፡ ዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኹላ ግብጺ ጐይታ ገብረኒ ናባይ ውረድ ኣይትደንጉይ።
10
ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕካን ኣሓኻን ዘሎካ ኹለን ኣብ ቀረባይ ክትከውን፡ ኣብ ምድሪ ጎሴን ክትቅመጥ ኢኻ።
11
ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ ንስኻን ቤትካን ኩሉ ዘሎካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፡ ኣብኡ ኽሓልየልካ እየ።
12
ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸኣ እንሆ ኣዒንትኹምን ዓይኒ ሓወይ ቢንያምን ይርእያ ኣለዋ።
13
እቲ ኹሉ ኽብረተይ ኣብ ግብጽን እቲ ዝርኤኹምዎ ኹሉን ነቦይ ንገርዎ። ነቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ።
14
ኣብ ክሳድ ሓው ብንያም ድማ ኣብ ክሳዱ በኸየ።
15
ንኹሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዐሞም። ድሕርዚ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ።
16
ኣብ ቤት ፈርኦን ከኣ ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦም ዚብል ወረ ተሰምዔ። እዚውን ንፈርኦንን ንገላውኡን ባህ ኣበሎም።
17
ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ በሎ ነሕዋትካ ከምዚ ግበሩ በሎም። እንስሳኹም ጽዒንኩም ኪዱ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ እተው።
18
ኣቦኹምን ስድራቤትኩምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምጹ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ኽህበኩም እየ ስብሒ እዛ ምድሪውን ክትበልዑ ኢኹም።
19
እዚ ኽትገብሩ እእዝዘካ ኣሎኹ። ንሕጻናትኩምን ንንስትኹምን ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብጺ ውሰዱ እሞ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ውጹ።
20
እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ኹሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ እቓሑኹም ርኢኹም ኣይትጉሀዩ።
21
ደቂ እስራኤል ከኣ ከምኡ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ከምቲ ትእዛዝ ፈራኦን ሰረገላታት ሀቦም፡ ነምገዲ ኸኣ ስንቂ ሀቦም።
22
ንነፍሲ ወከፎም ኩሎም ድማ ዚለዋወጥ ክዳውንቲ ሀቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓሙሽተ ዚለዋወጥ ክዳውንትን ሀቦ።
23
ነቦኡ ድማ ካብ ናይ ዘዝጸበቐ ነገር ግብጺ ጽዕነት ዓሰርተ ኣድጊ፡ ነቦኡ ነመገዲ ዚኾኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ካልእ ብልዕን ጽዕነት ዓሰረት ኣንስተይቲ ኣድጊ ኸምዚ ገይሩ ሰደድሉ።
24
ነሕዋቱ ድማ ኣብ መገዲ ኣይትበኣሱ ኢሉ ሰደዶም ከዱ ኸኣ።
25
ካብ ግብጺ ደይቦም ከኣ ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ።
26
ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፡ ንኹላ ሃገር ግብጺ ዚገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንሱ ግና ኣይኣመኖምን እሞ ልቡ ደንጸወ።
27
እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኩሉ ዘረባ ድማ ነገርዎ እቲ ኽመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ምስ ረኣየ ኸኣ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሓደሰ።
28
እስራኤል ድማ ወደይ ዮሴፍስ ገና ብህይወቱ ኣሎ ደጊም ይኣኽለኒ፡ ከይሞትኩ ደኣ ኸይደ ኽርእዮ በለ።
← Chapter 44
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 46 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50