bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Genesis 21
Genesis 21
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 20
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 22 →
1
እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ።
2
ሳራ ድማ ጠነሰት በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ።
3
ኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱ፡ ሳራ ዝወለደትሉ ስሙ ይስሓቅ ኣውጽኣሉ።
4
ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቕ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ወሲ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ኮነ ገዘሮ።
5
ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ንበረ።
6
ሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ምሳይ ይስሓቕ በለት።
7
ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቖልዓ ተጥቡ ሽም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ ድማ በለት።
8
እቲ ቖልዓ ኸኣ ዐብየ፡ ጡብውን ሃደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዩ ምሳሕ ገበረ።
9
ሳራ ድማ እቲ ኣጋር ግብጻዊት፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ኼላግጽ ረኣየት።
10
ንኣብርሃም ድማ፡ ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ ምስ ይስሃቅ ኣይኪወርስን ኣዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ኣውጽኣዮም በለቶ።
11
እዚ ነገርዚ ኽኣ ንኣብርሃም ብምኽንያት ወዱ ኣዝዩ ኽፋእ ኮይኑ ተራእዮ።
12
ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፋእ ኮይኑ ኣይርኤኻ። ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዘጽውዓልካ እሞ ብኹሉ ንሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ።
13
ንወዲ እዛ ባያ ድማ ዘርእኻ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ኽገብሮ እየ በል።
14
ንጽብሒቱ ኸኣ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፡ ንኣጋር ሃባ ኣብ መንኩባ ድማ ኣሰከማ፡ እቲ ቖልዓውን ሂቡ ሰዳዳ። ንሳ ኸኣ ኸይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤርሸባዕ ኮብለል ትብል ነበረት።
15
እቲ ማይ ካብ ሓርቢ ምስ ተወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ቖልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ይውደቕ ሓደገቶ።
16
ሞትት እዚ ቖልዓ ኸይርኢ፡ ኢላ ድማ ኸደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዘኣክል ርሒቓ ኣብ መንጽሩ ተቐመጠት። ኣብ መንጽሩ ተቐሚጣ ድማ ዓው ኢላ በኸየት።
17
ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቖልዓ ሰምዔ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር እንታይ ኳንኪ ኢኺ፡ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቖልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕው እዩ እሞ ኣይትርሂ።
18
ነቲ ቖልዓ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ ተንስኤ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ በላ።
19
ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላ፡ ዔላ ማይ ከኣ ረኣየት። ከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቖልዓ ኣስተየቶ።
20
ኣምላኽ ድማ ምስቲ ቖልዓ ነበረ፡ ንሱ ኽኣ ዐበየ፡ ኣብ በረኸውን ተቐመጠ፡ ቀስተኛ ኸኣ ኮነ።
21
ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ።
22
ኮነ ኽኣ በቲ ዘበን እቲ ኣቢሜሌክ ምስ ፊክል ሓለቃ ሰራውቱ መጺኣኡ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ ኣምላኽ ብትገብሮ ዘበለ ኹሉ ምሳኻ እዩ።
23
ሕጂ ኽኣ ከምቲ ኣነ ለውሃት ዝገብርኩልካ ንኣይን ነዛ ሰደተኛ ኼንካ እትነብራ ዘሎኻ ምድርን፡ ከምኡ ኽትገብር እምበር ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ ምሓለለይ።
24
ኣብርሃም ከኣ ኣነ እምሕል በለ።
25
ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ባሮት ኣቢሜሌክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዔላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ።
26
ኣቢሜሌክ ከኣ፡ ነዚ ነግር እዝስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፡ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፡ ኣነውን ብዘይ ሎሚ ኣይሰማዕኩን፡ በለ።
27
ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ኣቡዑርን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሀቦ። ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተው።
28
ኣብርሃም ድማ ካብ መጋርያኡ ሻብዓተ ሽበን ንበይነን ፈለየ።
29
ኣቢሜሌክ ከኣኣ ንኣብርሃም እዘን ንበይነን ዝፈሌኻየን ሻብዓተ ሽበን እንታይ እየን በሎ።
30
ንሱ ድማ ነዛዔላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝኾዐትክዋ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክኾነኒ፡ እዛን ሻብዓተ ሸብን እዚኤን ካብ ኢደይ ክትወስድ በለ።
31
ስለዚ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሓሉ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ብኤርሸባዕ ኢሉ ኣውጽኣላ።
32
ኣብ ብኤርሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታታው፡ ኣቢሜሌክ ድማ ተንሲኣኡ ምስ ፊኮል፡ ሓለቃ ሰራዊቱ፡ ናብ ምድር ፍልስጥኤማውያን ተመልሱ።
33
ኣብርሃም ከኣ ኣብ ብኤርሸባዕ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘለኣኣለማዊ ኣምላኽ ተማህለል።
34
ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ኾይኑ ነዊሕ ዘበን ተቐመጠ።
← Chapter 20
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 22 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50